Tigrinya English Learning app
2.0
Tigrinya English Learning app
ብቀሊሉ እንግሊዝ ምምሃር
ብቀዳምነት ነዚ ኣፕሊኬሽን ጽዒንኩም ትጥቀሙ ምህላውኩም ኣዚና ነምስግን። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ሰባት ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ሓገዝ ምሃብ ኢዩ።
Study English and Tigrinya Vocabulary, Learn Tigrinya English Vocabulary
ብርክት ዝበሉ ቃላት ኣብ ልዕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ዝኸውን ምድባት ተኸፋፊሎም ቀሪቦም ኣሎዎ። እዞም ምድባት እዚኣቶም ከምኒ ቁጽርታት፣ ግዜ፣ መጓዓዝያ፣ ኣንፈት፣ ኩነታት ኣየር፣ መግቢ፣ ናይ ስራሕ ቃለ-ምሕትት፣ ኣካልትና፣ ክዳውንቲ፣ ጥዕና፣ ስምዒት፣ በረራን ወዘተ ዝሓዙ ኢዮም።
ነፍሲወከፍ ምድብ ንዓኣ ዝምልከት ቃላት ኣለዉዋ። ንከትጽንዖ ዝደለኻ ምድብ ብምምራጽ ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ቃላት ክትመሃሮም ትኽእል ኢኻ።
ነፍሲወከፍ ምድብ ኣብ ትመርጽሉ እዋን ክልተ ምርጫ ይወሃበካ “Study” ዝብል፣ እዚ ድማ ብቅድም ተኸተል ከተጽንዕ እንተደሊኻ ይምረጽ።
እቲ ሓደ “All words” ዝብል ምርጫ ድማ ነቶም ኣብቲ ትሕቲ እቲ ጉጅለ ዝርከቡ ቃላት ንኹሎም ብምዝርዛር ዝደለኻዮ ቃል ክትመርጽ የኽእለካ። ብተወሳኺ ኣብዚ ኣፕሊኬሽን ትረኽብዎ ሓገዝ ናይ ኣደማምጻ ኢዩ።
ነፍሲወከፍ ናይ እንግሊዘኛ ቃል ናቱ ኣደማምጻ ኣለዎ፣ ነዚ ንምስማዕ ድማ ነቲ ናይ መጉልሒ ድምጺ ምልክት ምጥዋቕ የድሊ።
ሽሕ እኳ እዚ ኣፕሊኬሽን ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ተባሂሉ እንተተዳለወ፣ ዝኾነ ትግርኛ ክመሃር ዝደሊ ሰብ እሞ ኸኣ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ቃላት ክርዳእ ዝኽእል ሰብ ተረባሓይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ደጊምና ነዚ ኣፕሊኬሽና ምጥቓምኩም ነመስግን፣ ዝኾነ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም ካብ ምጽሓፍ ኣይትቆጠቡ።
Celkové hodnocení
Pro hodnocení programu se prosím nejprve přihlaste
Souhrnné informace o Tigrinya English Learning app
-
Verze programu
2.0
-
Autor
-
Potřeba instalace
ano
-
Staženo
1× celkem
0× tento měsíc
-
Poslední aktualizace
25. 9. 2017